ኣበበች ጓል ኣንስተይቲ ዘዋሪት ባጃጅ
Dawit Girma
Yirgalem Birhanu

ባጃጅ ንመጓዓዝያ እተገልግል ባዓል
ሰለስተ ጎማ ንእሽተይ ተሽከርካሪት እያ።

1

ኣብ ሕብረተሰብና ኣሽከርካሪነት ብደቂ ተባዕትዮ ዝተዓብለለ
ዘፈር ስራሕ እዩ። ቡዙሕ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ኣይሳተፋሉን።

2

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ አበበች ናይ መዘወሪ መንጃ ፍቓድ ንምምሃር ካብ ቤተሰባ ገንዘብ ጠየቐት፡፡

ቤተሰባ ግን "እዙይ እማ ንጋል ኣነስተይቲ ጽቡቕ ስራሕ ኣይኮነን፥
ሰብከ እንታይ ይብለኪ?" በልዋ፡፡

3

ንሳ "ሰብ ዝሰርሖ ኩሉ ከም ዝኾነ
ሰብ ናይ ምስራሕ ዓቕሚ ኣለኒ"
ብምባል ኣእመነቶም፡፡

4

ስልጠና እዉን ብግቡእ ተኸታቲላ ወደአት። ቤተሰባ ድማ እንታይ ንግበረላ ኢሎም ተማኸሩ።

5

ካብኡ ባጃጅ ክገዝኡላ ወሲኖም፡፡
አበበች ኣብ ደብረ ብርሃን ጎደናታት
ባጃጅ ምሽክርካር ጀመረት።

6

ካብ ዕለታት ሓደ ማዓልቲ ሓደ ጽቡቕ ሓሳብ ናብ አዕምሮኣ መጸላ፡፡ ኣብ ድሕሪ ባጃጃ ስልኪ ቁጽራ ዝተሓተመሉ ዓብይ ምልክታ ለጢፋ፡፡

7

ምልክታ ከምዙይ ይብል፡- "ነፍሰ ጹር ኣንስቲ፣ ሓራሳት ኣዴታትን ህጻዉንትን ብነፃ ነብጽሕ"፡፡

ካብኡ ዝወልዳ ኣዴታት ደቀን ዝሓመምወን ናብ አበበች ይድዉላ፡፡

8

ባጃጅ እንዳዘወረት ገንዘብ ኣከበት፡፡

ጽቡቕ ስራሕ ምስራሕ ቀጸለትሉ፡፡እኹል ኣታዊ ንዘየብሎም ድኻታት እዉን ብነፃ ምግልጋል ጀመረት።

9

ኣበበች ብዙይ ስራሓ ብገንዘብ ዘይትመን ዕግበት ረኺባ።
ዓበይቲ ሰባት መሪቖማ። ብህጻዉንትን ወለዳን እዉን
ብጣዕሚ እትፍቶ ሰብ ኮነት።

አበበች ‹‹ጽቡቕ ምስራሕ ንባዕልኻ እዩ ትብል››፡፡

10
You are free to download, copy, translate or adapt this story and use the illustrations as long as you attribute in the following way:
ኣበበች ጓል ኣንስተይቲ ዘዋሪት ባጃጅ
Author - Dawit Girma
Translation - Kiros Gebretsadik
Illustration - Yirgalem Birhanu
Language - Tigrigna
Level - First paragraphs