እታ ዝሞተት ዕትሮ
Peter Kisakye
Emily Berg

ዓንደ ላሕምን ንእሽተይ ዑትሮ መስተይት ማይን ነይረንኦ።

1

ካልእ ዓባይ ዑትሮ ካብ ጎረቤቱ ተለቅሐ።

2

ዓንደ ነታ ንእሽተይ ዕትሮ ናብ ውሽጢ እታ ካብ ጎረቤቱ ተለቅሓ ዓባይ ዕትሮ ኣእተዋ።

3

ዓንደ እተን ዓታሩ ተሸኪሙ ናብ ጎረቤቱ ከደ።

4

ዓንደ ነቲ ጎረቤቱ “ዕትሮኻ ወሊዳ” በሎ።

5

ካልእ ምዓልቲ፣ ዓንደ ነታ ዕትሮ ክልቃሕ ናብ ጎረቤቱ ከደ።

6

ተለቂሑ ግን ኣይመለሰሉን። እቲ ጎረቤቱ መልሰለይ ክብሎ ናብ ዓንደ ከደ።

7

“ክነግረካ እናበልኩ፣ እታ ዕትሮኻ እኮ ሞይታ” በሎ ዓንደ።

8

“ኣነ ዕትሮ ክመውት ርእየን ሰሚዐን ኣይፈልጥን” በሎ እቲ ጎረቤቱ።

9

“ኣንታ ዓርከይ ኩሉ ዝወልድ መዋቲ እዩ” ኢሉ መለሰሉ ዓንደ።

10

እቲ ጎረቤቱ ኣብ ፍርዲ ቤት ከይዱ ንዓንደ ከሰሶ።

11

እቲ ዳኛ “ኩሉ ዝወልድ መዋቲ እዩ” ኢሉ ፈረደ።

12

በዚ ድማ ዓንደ ረቲዑ እታ ዓባይ ዕትሮ ንባዕሉ ወሰዳ።

13
You are free to download, copy, translate or adapt this story and use the illustrations as long as you attribute in the following way:
እታ ዝሞተት ዕትሮ
Author - Peter Kisakye
Translation - Angesom Abadi
Illustration - Emily Berg
Language - Tigrigna
Level - First words