ዘይምምእዛዝ
Thobile Gama
Marion Drew

ናይ እንስሳታት ናይ ድቃስ ስዓት እዩ ነይሩ። ሓንቲ ዘይምእዝዝቲ እንስሳ ግን ኣይድቅስን ኢላ ኣበየት።

1

እታ ሓረስተይቲ ንሓሰማ ናብ ደንበኺ እተዊ በለታ። ንሳ እምቢ በለት።

2

እታ ሓረስተይቲ ንትኣማኒ ኩርማጅ ግረፋ በለቶ። ኩርማጅ እምቢ በለ።

3

ቁጡዕ ሓዊ ንትኣማኒ ኩርማጅ ኣየቃፅሎን በለ።

4

ፅሩይ ማይ ንቑጡዕ ሓዊ ኣየጥፍኦን በለ።

5

እታ ሓረስተይቲ ንተሓላቢት ላሕሚ ንፅሩይ ማይ ስተይዮ በለታ።

6

ተሓላቢት ላሕሚ “ነቲ ማይ ክሰትዮ እየ። ፀሚኡኒ እዩ” በለት።

7

ፅሩይ ማይ “ከይትሰትይኒ። ንሓዊ ከጥፍኦ እየ” በለ።

8

ቑጡዕ ሓዊ “ግደፍ፤ ንትኣማኒ ኩርማጅ ከቃፅሎ እየ ” በለ።

9

ተኣማኒ ኩርማጅ “በጃኻ ከይተቃፅለኒ። ንሓሰማ ክገርፋ እየ” ኢሉ በኸየ።

10

ሓሰማ ሓሪቓ “እሺ፣ ንደምበይ ክኣቱ እየ ” በለት።

11

ሓሰማ ኣብ ደምብኣ ኣትያ ደቀሰት።

12
You are free to download, copy, translate or adapt this story and use the illustrations as long as you attribute in the following way:
ዘይምምእዛዝ
Author - Thobile Gama
Translation - Angesom Abadi
Illustration - Marion Drew
Language - Tigrigna
Level - First words