ዋዕሮን ሰገንን
Daniel Nanok
Brian Wambi

ቐደም፣ ሰገንን ዋዕሮን ብጣዕሚ ኣዕርኽቲ እየን ነይረን።

1

ሰገን ጫቓዊታ ብጣዕሚ እያ ትቕልበን ነይራ።

2

ደቂ ዋዕሮ ግን እኹል ምግቢ ኣይነበረንን ነይሩ።

3

ዋዕሮ እዞም ሮጎድቲ ጫቓዊት ደቀይ ተዝኾኑ ኢላ ተመነየት።

4

ሰገን ኣብ ገዛ ኣብዘየለትሉ ፣ ዋዕሮ ነቶም ጫቓዊት ወሰደቶም።

5

ሰገን ምስተመለሰት “ደቀይ ኣበይ ኣለው ኢላ?” ሓተተት።

6

ሰገን ደቃ ኣብ እንዳ ዋዕሮ ገዛ ረኸበቶም።

7

“እዞም ጫቓዊት ደቀይ እዮም ተደሊኺ እቶም ኮራኹር ውሰዲ” በለታ ዋዕሮ።

8

“ከመይ ገይረ እየ ደቀይ ዝመልሶም?” በለት ሰገን።

9

ኩሎም እንስሳታት ክእከቡ ጠየቐቶም።

10

እቶም እንስሳታት ናብቲ ኣኼባ መፁ።

11

ሓርማዝ ንሰገንን ዋዕሮን ክዛረባ ሓተተን።

12

መብዛሕትኦም እንስሳታት ዋዕሮ ተጋጊኺ ንምባል ፈርሑ።

13

“ዑፍ ዝመስሉ ደቂ ሰገን እዮም” በለት ምጩጭላይ።

14

ምጩጭላይ ጎይያ ናብ ጉድጓዳ ኣተወት።

15

ዋዕሮ ብጣዕሚ ሓረቐት፣ ደቃ ሒዛ ንገዝኣ ከደት።

16
You are free to download, copy, translate or adapt this story and use the illustrations as long as you attribute in the following way:
ዋዕሮን ሰገንን
Author - Daniel Nanok
Translation - Angesom Abadi
Illustration - Brian Wambi
Language - Tigrigna
Level - First words