ነጎዳ ምስ ወዳ
Ogot Owino
Jesse Breytenbach

ቐደም ቐደም፣ ነጎዳን በርቕን ኣብ መሬት ምስ ሰባት እዮም ይነብሩ ነይሮም።

1

ነጎዳ ንበርቒ ኣዲኡ እያ ነይራ።

2

በርቒ ብጣዕሚ ሓራቕ እዩ ነይሩ።

3

በርቒ እንትሓርቕ ሰባት፣ ደኒን ገዛውትን የጥፍእ ነይሩ።

4

በርቒ ጉድኣት እንተብፅሕ፣ ነጎዳ ሓያል ድምፂ ትፈጥር ነይራ።

5

በርቒ ንኣዲኡ ፈፂሙ ኣይሰምዓን ነይሩ።

6

ኣብ መወዳእታ፣ ሰባት ናብ ንጉስ ጥርዓን ኣቕሪቦም።

7

እቲ ንጉስ ንነጎዳን በርቒን ኣብ ርሑቕ ዓዲ ከይዶም ክቕመጡ ወሲንሎም።

8

በርቒ ሕዚ እውን እንትሓርቕ ጫካን ኣዝርእትን የቃፅል ነበረ።

9

ሰባት ንኻልኣይ ግዜ ናብ ንጉስ ጥርዓን ኣቕሪቦም።

10

እቲ ንጉስ ንነጎዳን በርቕን ኣብ ሰማይ ክነብሩ ወሲንሎም።

11

ሕዚ እውን ግን በርቒ እንትሓርቕ የዕንውን የቃፅልን ኣሎ።

12
You are free to download, copy, translate or adapt this story and use the illustrations as long as you attribute in the following way:
ነጎዳ ምስ ወዳ
Author - Ogot Owino
Translation - Angesom Abadi
Illustration - Jesse Breytenbach
Language - Tigrigna
Level - First words