ማንቲለ በረኻን ምህርቲ ዘፍሪ ዝብኢን
Mutugi Kamundi
Rob Owen

ቐደም፣ ማንቲለ በረኻን ዝብኢን ብጣዕሚ ኣዕርኽቲ እዮም ነይሮም።

1

ማንቲለ ንዝብኢ“ብሓደ ሕርሻ ዘይንጅምር?” በለቶ።

2

ማንቲለ ዕፍን ንዝራእ እሞ ማዕረ ንማቐሎ ዝብል ሓሳብ ኣቕረበት።

3

ማንቲለ ንዝብኢ “ኣነ ኣዕዋፍ ከባርር እየ፤ ከቢድ ስራሕ እዩ” በለቶ።

4

ዝብኢ እቲ መሬት በይኑ ክሓርሶ ተሰማምዐ።

5

ዝብኢ ፃህያይ እንትፅሂ ማንቲለ ኮፍ አላ ትደርፍ ነበረት።

6

እቲ ዕፍን ምስ ሸወተ እውን ማንቲለ ኣዕዋፍ ተባርር ነበረት።

7

ማንቲለ “ኣነ ልዕሊ መሬት፣ ንስኻ ትሕቲ መሬት ዘሎ ንማቐል” በልቶ።

8

ማንቲለ ኩሉ ዕፍን ኣኪባ፣ ወሲዳ ከዘነቶ።

9

ዝብኢ ኣብ ትሕቲ መሬት ሱር ጥራሕ ረኸበ።

10

ዝብኢ ከም ዝተታለለ ፈሊጡ ፣ ብጣዕሚ ሓረቐ።

11

ድንሽ ክዘርኡ ተስማዕምዑ። ዝብኢ “ኣብ ልዕሊ መሬት ዘሎ ክወስድ እየ” በለ።

12

ብሓደ እናደረፉ ነቲ ድንሽ ዘርእዎ።

13

ኣብ ምህርቲ ግዜ፣ ዝብኢ ቆፅሊ ድንሽ ጥራሕ ኣከበ።

14

ማንቲለ ቡዝሓት ገዘፍቲ ድንሻት ኣከበት ፤ ከዘነቶ ድማ።

15

ዝብኢ ሕነ ክፈዲ ከጓይያ ጀመረ። ብድሕሪኡ ዕርክነቶም ተቛረፀ።

16
You are free to download, copy, translate or adapt this story and use the illustrations as long as you attribute in the following way:
ማንቲለ በረኻን ምህርቲ ዘፍሪ ዝብኢን
Author - Mutugi Kamundi
Translation - Angesom Abadi
Illustration - Rob Owen
Language - Tigrigna
Level - First words