ንእንሳት እግሪ ተዋሃቦም
Mutugi Kamundi
Wiehan de Jager

እቲ ቐደም፣ ኩሎም እንስሳት እግሪ ኣይነበሮምን።

1

ፈጣሪ ንደቂ ሰባት ጥራሕ እዩ እግሪ ሂቡ ነይሩ።

2

ድሓር ፈጣሪ ንኹሎም እንስሳት እግሪ ክህቦም ወሲኑ።

3

እቶም እንስሳት ነቲ እግሪ ንምኽያድን ንምጉያይን እዮም ደልየሞ።

4

ለመም እናበልካ ምኻድ ከቢድዎም እዩ ነይሩ።

5

ዝዋሃብሉ ምዓልቲ ምስ በፅሐ፣ ዝተፈላለዩ እንስሳት ለመም እናበሉ ናብ ፈጣሪ መፁ።

6

ፈጣሪ ድማ ንእንሳስትን ኣዕዋፍን እግሪ ዓደሎም።

7

ገሊኦም እሳሳት ሳዕስዑ ፤ ገሊኦም ድማ ወደቑ።

8

“በዚ ሕዚ ብፍፁም ለመም ኣይንብልን” በሉ።

9

ኣባ ዓራርኸኛ ናይ መወዳእታ ተቐባሊ እዩ ነይሩ።

10

ፈጣሪ እቲ ዝተረፈ እግሪ ኩሉ ንኣባ ዓራርኸኛ ሃቦ።

11

ኣባ ዓራርኸኛ “ካብ ኩሎም ዝበለፅኩ ቑልጡፍ ክኮን እየ” በለ።

12

ድሕሪ ኣባ ዓራርኸኛ ተመን መፅዩ “በጃኻ እግሪ ሃበኒ” ኢሉ ለመነ።

13

ተመን ንፈጣሪ “ደቒሰ እዩ ሓሊፍኒ” በሎ።

14

ፈጣሪ ንተመን ዋላ ሓንቲ እግሪ ኣይረኸበሉን።

15

ካብ እዚ ግዜ ጀሚሩ ተመን እግሪ ክረክብ ይፅበ ኣሎ።

16
You are free to download, copy, translate or adapt this story and use the illustrations as long as you attribute in the following way:
ንእንሳት እግሪ ተዋሃቦም
Author - Mutugi Kamundi
Translation - Angesom Abadi
Illustration - Wiehan de Jager
Language - Tigrigna
Level - First words