Akatope
Alice Kariuki
Catherine Groenewald

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ፡ ወትሩ ውላድ ትብህግ ሰበይቲ ትነብር ነበረት።

1

እዛ ሰበይቲ ዝበለጸ ዋላኻ ኣናደየት እሞ፡ ጓል ድማ ኽትጥፍጥፍ ጀመረት።

2

እዛ ኻብ ጭቃ ዝተሰርሐት ጓል ህይወት ዘርአት። እታ ሰበይቲ ነዛ ጓል ኣካቶፐ ኽትብል ሰየመታ።

3

እታ ሰበይቲ ኣዝያ ተሓጎሰት። ንኣካቶፐ ኣዝያ ኣፍቀረታ።

4

እታ ሰበይቲ ንኣካቶፐ ወትሩ ካብቲ ኣጉዶ ከይትወጽእ ተጠንቅቃ ነበረት። ግዳ ኣይሰምዐትን። ኣደኣ ገዛ ኣብ ዘይትህልወሉ፡ ወትሩ ደገ ወጺኣ ምስ'ቶም ቆልዑ ደቂ ቁሸታ ትጻወት ነበረት።

5

ሓደ መዓልቲ፡ ኣካቶፐ ምስ ካልኦት ቆልዑ ኣብ ደገ ናተጻወተት እንኮላ ዝናብ ክዘንብ ጀመረ።

6

እቶም ካልኦት ቆልዑ ንናብ ኣጓዶኦም ጎየዩ። ኣካቶፐ ኽትጎዪ ተፈተነት ግና ኣእጋራ በቲ ማይ ክሓቁ ጀመሩ። ብድሕርዚ ኣብ መንጎ'ቶም ኣግራብ ተኾርምያ ተረፈት።

7

እቶም ቆልዑ ንኣካቶፐ ዘጋጠማ ንወለዶም ምስ ነገርዎም ኣዝዮም ሓዘኑን ሰንበዱን።

8

እታ ሰበይቲ ንኣካቶፐ ዘጋጠማ ምስ ሰምዐት፡ ንብዙሕ መዓልታት በኸየት። እቶም ደቂ ቁሸታ ድማ ወለዲ ዘይነበርዋ ካልእ ህጻን ምስኣ ኽትዓቢ ኣበርከቱላ።

9

ግዳ እዚ ኣድላይነት ኣይነበሮን።
ነታ ሰበይቲ ብስራት ይጽበያ ነበረ!

10

ሓደ ለይቲ፡ ቤታ ብቀስታ ተዃሕኵሐ።

11

እታ ሰበይቲ፡ "መን ድኣሉ፧" በለት ምስ ነብሳ።

12

ኣካቶፐ ናብ ቤታ ተመልሰት።
ግዳ ደኺማን ጸምልያን ነበረት።

13

ኣደ ኣካቶፐ ኵሉ ትውንኖ ሸጠት። ነቲ ገንዘብ ኣካቶፐ ኣብ ምሕካም ኣውዓለቶ።
ኣካቶፐ ምስ ጎበዘት፡ እታ ዝቆንጀወት ጓል ኣብቲ ቁሸት ኮነት።

14
You are free to download, copy, translate or adapt this story and use the illustrations as long as you attribute in the following way:
Akatope
Author - Alice Kariuki
Translation - Thomas Tsegai
Illustration - Catherine Groenewald, Wiehan de Jager
Language - Tigrigna
Level - First paragraphs