መታለሊ ማንቲለ
Dan Kaasha
Abraham Muzee

ማንቲለ ዕትሮ ሙሉእ መዓር ዝተሸከመ ሓርማዝ ረኸበ።

1

ሓርማዝ ንማንቲለ ኣብ ዝባኑ ተሸከሞ። ማንቲለ ነቲ መዓር ኩሉ በልዖ።

2

ኣብ ሩብ ማይ እናሰተየ ዓብይ ጎባይ ረኸቡ።

3

ማንቲለ ካብ ጎባይን ሓርማዝን መን ከምዝሕይል ክፈልጥ ደለየ።

4

ማንቲለ እዙይ ከመይ ከምዘረጋግፆ ሓሳብ ኣለኒ በለ።

5

ማንቲለ ሓደ ጫፍ ናይ ገመድ ኣብ ሽንጢ ሓርማዝ ኣሰሮ።

6

እቲ ካሊእ ጫፍ ናይቲ ገመድ ኣብ ናይ ጎባይ ሽንጢ ኣሰሮ።

7

ማንቲለ ኣብ ኦም ተሓቢኡ “ጉተት” በለ።

8

ጎባይን ሓርማዝን ምጉታት ጀመሩ። ሓርማዝ ንጎባይ ጎተቶ።

9

ጎባይ ንሓርማዝ ጎተቶ። ዋላ ሓዲኦም ክዕወቱ ኣይክኣሉን።

10

ማንቲለ ናብ ጎባይ ገፅ ነቲ ገመድ ቖረፆ፤ ሓርማዝ ወደቐ።

11

ማንቲለ ንጎባይ “ንስኻ ሓያል ኢኻ” በሎ።

12
You are free to download, copy, translate or adapt this story and use the illustrations as long as you attribute in the following way:
መታለሊ ማንቲለ
Author - Dan Kaasha
Translation - Angesom Abadi
Illustration - Abraham Muzee
Language - Tigrigna
Level - First words