እታ በቅሊ
Mesfin Habte-Mariam
Marleen Visser

ሓንቲ ምሊት ትብሃል ፅብቕቲ በቅሊ ነይራ።

1

ሓደ ፅቡቕ ፈረስ “ንምሊት ናይ ግድን ክምርዐዋ ኣለኒ” በለ።

2

እቲ ፈረስ ንምሊት “ብሓደ ንሩባ ንኺድ” በላ።

3

እቲ ፈረስ ንኽትምርዓዎ ጠየቓ። ምሊት ድማ እሺ በለት።

4

እቲ ፈረስ “ኣቦኽን ኣዴኽን መነ መን ይብሃሉ” ኢሉ ሓተታ።

5

“ኣደይ ኣብ አንዳ ንጉስ እያ ትነብር” ኢላ መለሰትሉ።

6

“ሓፍተይ ኣብ ቀፅሪ ቤተ ክርስትያን እያ እትነበር፤ ኣይትፈልጣን?” በለቶ።

7

“እታ ፅብቕቲ ኣሞይ ምስ ዋና ኣማሓዳሪ እያ እትነበር” ኢላ ወሰኸትሉ።

8

ሓደ ኣረጊት ኣድጊ ይሓልፍ ነይሩ። ኣቡኣ ንምሊት እዩ።

9

ምሊት ንኣቡኣ ግልፅ ኢላ ኣይርኣየቶን፤ ሰላም እውን ኣይበለቶን።

10

እቲ ኣረጊት ኣድጊ “እንታይ ኮንኪ እዛ ጓለይ” በላ።

11

እቲ ፈረስ “መን እዩ እዚ ሕማቕ ኣድጊ?” በላ።

12

“ፈፂመ ኣይፈልጦን” በለቶ ምሊት።

13

እቲ ፈረስ ነቲ ኣረጊት ኣድጊ ረግሖ።

14

እቲ ኣረጊት ኣድጊ ብጣዕሚ ሓዘነ፣ በኽዩ ድማ ሞተ።

15

ምሊት ኣቡኣ ስለ ዘይኣኽበረት ክሳብ ሎሚ ዋላ ሓደ ቆልዓ ኣይወለደትን።

16
You are free to download, copy, translate or adapt this story and use the illustrations as long as you attribute in the following way:
እታ በቅሊ
Author - Mesfin Habte-Mariam, Elizabeth Laird
Translation - Angesom Abadi
Illustration - Marleen Visser
Language - Tigrigna
Level - First words