ዘምለጡ እንስሳት
Cissy Kiwanuka Luyiga
Magriet Brink

ሓንቲ ኣረጊት ሰበይቲ ደርሆታትን ሓደ ዃኩናይን ነይሮማ።

1

ወዲ ወዳ ክጥይቓ ምስመፀ። ነቲ ኳኩናይ ክትሓርዶ ወሰነት።

2

እቲ ኳኩናይ ጎይዩ ናብ ከተማ ኣምለጠ።

3

እቲ ኳኩናይ ካሊእ ካብ ዋንኣ ዘምለጠት ድሙ ረኸበ።

4

እቲ ኳኩናይን ድሙን ካሊእ ዘምለጠ ከልቢ ረኸቡ።

5

ብተወሳኺ ካሊእ ካብ ዋንኡ ዘምለጠ ፈረስ ተፀንበሮም።

6

እዞም እንስሳት ናብ ሓደ ገዛ ከዱ። ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛ ለያቡ ርኣዩ።

7

እዞም እንስሳት ዓው ኢሎም እንዳፈራርሑ ነቶም ለያቡ ኣባረርዎም።

8

ኣብቲ ገዛ ዝረኸብዎ ምግቢ በልዑ።

9

እቶም ለያቡ ተመሊሶም መፁ።እቶም እንስሳት መጥቓዕቲ ኣውረድሎም።

10

እቶም ለያቡ ንሓዋሩ ጎይዮም ኣምለጡ።

11

እቶም እንስሳት ኣብቲ ገዛ ብሓጎስ ነበሩ።

12
You are free to download, copy, translate or adapt this story and use the illustrations as long as you attribute in the following way:
ዘምለጡ እንስሳት
Author - Cissy Kiwanuka Luyiga
Translation - Angesom Abadi
Illustration - Magriet Brink
Language - Tigrigna
Level - First words