

ቐደም ቐደም፣ ህበይን ዋዓግን ምግቢ እናተማቐሉ ብሓደ ይነብሩ ነበሩ።
ህበይ ንዋዓግ “ብሓደ ንሕረስ እሞ ብሓደ ክንበልዕ” በሎ።
ህበይ ንዋዓግ “ንስኻ ዃዓት እሞ ኣነ ክዘርእ” በሎ።
ህበይ ንዋዓግ “ንስኻ ዝራእ እሞ ኣነ ክፅሂ” በሎ።
እቲ መሸላ ምስ በፅሐ፣ ህበይ ንዋዓግ እቲ ምህርቲ ኣክቦ በሎ።
ህበይ “ንስኻ ኣክቦ እሞ ኣነ ናብ መኽዘን ክወስዶ” በለ።
ህበይ ሰነፍ እዩ ነይሩ። ዋዓግ ሓንቲ ጉንቦ መሸላ ጥራሕ እዩ ሂብዎ።
ህበይ ነቲ ጉንቦ መሸላ ወሲዱ። ኣብ መንገዲ ሓንቲ ደርሆ ረኸበ።
እታ ደርሆ ኩሉ እቲ መሸላ በሊዓቶ። ንህበይ እንቋቕሖ ሂባቶ።
ህበይ ቖልዑ ረኺቡ። እቶም ቖልዑ ነቲ እንቋቕሖ ሰቢረሞ።
እቶም ቖልዑ ንህበይ ማንጎ ሂበሞ።
ህበይ ሕንፃይ ረኺቡ። ሕንፃይ ነቲ ማንጎ በሊዓ ክንቲት ሂባቶ።
ቃላይ ነቲ ክንቲት ወሲዱ ንህበይ ማይ ሃቦ።
ህበይ በቲ ማይ ናይ ፈሓም መፍሓምቲ ሓዊ ኣጥፍኣሉ።
እቶምፈሓም መፍሓምቲ ንህበይ ፋስ ሃብዎ።
ህበይ ሓረድቲ ከፍቲ ረኸበ። ነቲ ፋስ ድማ ሰበርዎ።
እቶም ሓረድቲ ከፍቲ ንህበይ ርእስን ጭራን ከፍቲ ሃብዎ። ህበይ ዝገበሮ ተዓዘቡ።
ህበይ “ናይ ንጉስ ብዕራይ ኣብ ጭቓ ተዋሒጡ ” ኢሉ ኣእወየ።
ሰባት ተኣኪቦም ክሕግዙ መፁ። “ብርእሱን ብጭርኡን ሒዝኩም ስሓብዎ” በለ ህበይ።
ህበይ “እቲ ብዕራይ ቐቲልክሞ፤ በሉ ከፍቲ ኣዋፂኩም ሃቡኒ ንንጉስ ክህቦ” በሎም ነቶም ሰባት።

