ዘየመስግን ተኹላ
Mohammed Kuyu
Jacob Kono

ዝጠመየ ተኹላ ይሃድን ነበረ።

1

እምኒ ኣብ ዘለዎ፣ ሓንቲ ኣንጭዋ የጓይ ነበረ።

2

ተኹላ እና ዃዓተ ኸሎ እቲ እምኒ እግሩ ፀቐጦ።

3

ተኹላ ክድሀ ሰሚዑ፣ ማንቲለ እንታይ ኢዩ ኢሉ ክርኢ መፀ።

4

ተኹላ ንማንቲለ እግረይ ከውፅእ ሓግዘኒ እሞ ድራር ከድርረካ እየ በሎ ።

5

ማንቲለ ነቲ እምኒ ካብ እግሪ ተኹላ ኣንከራርዩ ኣልዓለሉ።

6

ማንቲለ በል ሽልማተይ ሃበኒ በሎ። ተኹላ ከይበልዐካ ኢሉ ኣፈራርሖ።

7

ተኹላን ማንቲለን ክፈርዶም ናብ ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ ከዱ።

8

ተኹላ ነቲ ሽማግለ ሰብኣይ እውን ከይበልዐካ ኢሉ ኣፈራርሖ።

9

እቲ ሽማግለ ሰብኣይ “ቕድሚ ምፍራደይ እስቲ እቲ እምኒ ክርእዮ” በለ።

10

ተኹላን ማንቲለን ነቲ ሰበኣይ ናብቲ እምኒ ወሰድዎ።

11

ተኹላ ድማ ከመይ ናብ እግሩ ከምዝወደቐ ኣረድኦም።

12

እቲ ሰብኣይ ንማንቲለ ነቲ እምኒ ከመይ ከምዝደፍኦ ጠየቖ።

13

እቲ ማንቲለ ነቲ እምኒ ክሳብ ናይ ተኹላ እግሪ ዝፀቕጥ ደፍኦ።

14

እቲ ሰብኣይ “ሐዚ ግርም ፤በል ንኺድ ገዛና” በለ።

15

እቲ ሰብኣይን ማንቲለን ከዱ። ተኹላ ድማ እግሩ ተፀቒጡ ተረፈ።

16
You are free to download, copy, translate or adapt this story and use the illustrations as long as you attribute in the following way:
ዘየመስግን ተኹላ
Author - Mohammed Kuyu, Elizabeth Laird
Translation - Angesom Abadi
Illustration - Jacob Kono
Language - Tigrigna
Level - First words