ሓንቲ ሽማግለ ሰበይቲ ንወዲ ወዳ እንቋቕሖ ሃበቶ።
እቲ ወዲ ነታ እንቋቕሖ ንጨርገፍቲ ፍረ ሂብዎም ንሶም ድማ ሰበርዋ።
እቲ ወዲ “እታ እንቋቕሖ ንገዝሚ እያ ነይራ” ኢሉ በኸየ።
እቶም ጨርገፍቲ ፍረ በትሪ ሃብዎ።
እቲ ወዲ ነቲ በትሪ ንሃነፅቲ ሂብዎም፣ ንሶም ድማ ሰበርዎ።
እቲ ወዲ “እቲ በትሪ ናይቶም ጨርገፍቲ ፍረ እዩ” ኢሉ በኸየ።
እቶም ሃነፅቲ ድማ ጥማር ሓሰር ሃብዎ።
እቲ ወዲ ሓላዊ ከብቲ ረኸበ። ሓንቲ ላሕሚ ነቲ ሓሰር በልዓቶ።
እቲ ወዲ “እቲ ሓሰር ናይ እቶም ሃነፅቲ እዩ” ኢሉ በኸየ።
እቲ ሓላዊ ኸፍቲ ላሕሚ ሂብዎ።
እቲ ወዲ መርዓ ረኸበ። ኣብቲ መርዓ ነታ ላሕሚ ሓረድዋ።
እቲ ወዲ “እታ ላሕሚ ናይ እቲ ሓላዊ ኸፍቲ እያ” ኢሉ በኸየ።
እቶም ናይ መርዓት ቤተሰብ ነታ መርዓት ሃብዎ።