ገዝሚ
Nambi Sseppuuya Community Resource Centre
Wiehan de Jager

ሓንቲ ሽማግለ ሰበይቲ ንወዲ ወዳ እንቋቕሖ ሃበቶ።

1

እቲ ወዲ ነታ እንቋቕሖ ንጨርገፍቲ ፍረ ሂብዎም ንሶም ድማ ሰበርዋ።

2

እቲ ወዲ “እታ እንቋቕሖ ንገዝሚ እያ ነይራ” ኢሉ በኸየ።

3

እቶም ጨርገፍቲ ፍረ በትሪ ሃብዎ።

4

እቲ ወዲ ነቲ በትሪ ንሃነፅቲ ሂብዎም፣ ንሶም ድማ ሰበርዎ።

5

እቲ ወዲ “እቲ በትሪ ናይቶም ጨርገፍቲ ፍረ እዩ” ኢሉ በኸየ።

6

እቶም ሃነፅቲ ድማ ጥማር ሓሰር ሃብዎ።

7

እቲ ወዲ ሓላዊ ከብቲ ረኸበ። ሓንቲ ላሕሚ ነቲ ሓሰር በልዓቶ።

8

እቲ ወዲ “እቲ ሓሰር ናይ እቶም ሃነፅቲ እዩ” ኢሉ በኸየ።

9

እቲ ሓላዊ ኸፍቲ ላሕሚ ሂብዎ።

10

እቲ ወዲ መርዓ ረኸበ። ኣብቲ መርዓ ነታ ላሕሚ ሓረድዋ።

11

እቲ ወዲ “እታ ላሕሚ ናይ እቲ ሓላዊ ኸፍቲ እያ” ኢሉ በኸየ።

12

እቶም ናይ መርዓት ቤተሰብ ነታ መርዓት ሃብዎ።

13
You are free to download, copy, translate or adapt this story and use the illustrations as long as you attribute in the following way:
ገዝሚ
Author - Nambi Sseppuuya Community Resource Centre
Translation - Angesom Abadi
Illustration - Wiehan de Jager
Language - Tigrigna
Level - First words