

ሓደ እዋን ኣብ ከውሒ ዝነብራ ብዙሓት መሓዙት ጊሐታት ነበራ፡፡ ካብኣተን ሓንቲ ጊሐ ንኹለን ትበልፀን ከም ዝዀነት ትነግረን ነበረት፡፡
ንኹለን መሓዙታ ድማ ትፀርፈንን ትወቕሰንን ነይራ፡፡ ንሳተን ድማ ብተግባራ ኣዝየን ይሓርቃ ነይረን፡፡
ከምዚ ኢለን እናነበራ እንከለዋ ፤ ሓደ መዓልቲ በዚ መፀ ዘይተብሃለ ሓደ ወደል ስልሕልሖት ናብቲ ከባቢ መፀ፡
እታ ትምክሕተኛ ጊሐ ድማ ኣብ ዘለቶ ጠጠው ኢላ ጠመተቶ እሞ ፣" እንታይ እዩ ክገብር? እስኪ ይምፃእ ፥ክሳዱ ሓኒቐ ክድርብዮ እየ" በለተን፡፡
እተን ካልኦት ጊሐታት ድማ ፣"ንዒ ምስ ዘይዓቕምና ኣይንበኣስ ኣየዋፀአናን" እንተበልኣ ንሳ ድማ ፣ "ኪዳ ኪዳ ፈራሓት" በለተን፡፡
እቲ ስልሕልሖት ድማ ነጢሩ መፀ፡፡ ነታ ምክሕቲ ጊሐ ብኽሳዳ ሓነቓ ፡፡ ወያ ምክሕቲ ጊሐ "እ. እ. እ ኣንትን መሓዙተይ በጃኽን እባ ኣገላግሉኒ?" በለት፡፡
ንሳተን ድማ ፣"ንባዕልና ክንብላዕ እንዲና ከመይ ገይርና ክነገላግለኪ" በላኣ፡፡ ኣብ ኣፍደገ ጉድጓደን ኰይነን ድማ እንታይ ከም እትገብር ይዕዘባኣ ነበራ፡፡
እታ ምክሕቲ ጊሐ ፣ ከምዚ በለት ፤ "እንታይ እየ ዝገብሮ እንታይ እዩ ወሪዱኒ ጨካን ስልሕልሖት ሎሚ ረኺቡኒ በጃኽን መሓዙተይ ኣገላግላኒ?" ኢላ ለመነተን፡፡
መሓዙታ ድማ ከምዚ በለኣ ፤ "ወዮ እቲ ሓይልኺ ወዮ እቲ ጃህራኺ ናበይ ድኣኸይዱ ሐዚ ዝበኸኺ ዘይሰድድ ሓያል ሎሚ ረኺቡኪ ንሕናስ ሰኪሕና ብሕማቕ ተግባርኪ ፋሕጠርጠር ድኣ በሊ ኣምልጢ ብዓልኺ" በለኣ፡፡
እቲ ስልሕልሖት ነታ ምክሕቲ ጊሐ ቁርጥምጥም ኣቢሉ በልዓ፡፡ ነተን ዝተረፋ ጊሐታት ድማ ክበልዐን ከደ፡፡
እተን ጊሐታት ድማ ናብኣተን ዝመፅእ ምህላው ፈሊጠን ፤ ኣጀኹን ፤ ኣይትፍርሐ ኩልና ብሓደ ኾይና ነኺስና ነኺስና ክንቀትሎ ኢና" በላ፡፡
ወዮ ስልሕልሖት ድማ ናብኣተን ምስ ቀረበ ፤ እታ ሓንቲ ብኣፉ ፣ እታ ሓንቲ ብኸብዱ፣ እታ ሓንቲ ብጭርኡ ብምሓዝ ነኺሰን ነኺሰን ቀተልኦ፡፡ ብሰላም ድማ ምንባር ጀመራ ፡፡

