ለባም ኳኽ
ሰለሙን ግደይ
Isaac Okwir

ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ኣብ ሓደ መዕቆቢ እንስሳት ቡዙሓት እንስሳ ዘገዳም ይነብሩ ነበሩ፡፡ ካብዚኦም ኳኽን ቡዃርያን ኣዕርኽቲ ነይሮም፡፡

1

ኣብ ዚ እዋን ኣብቲ ከባቢ ሕፅረት ምግቢ ኣጋጠመ፡፡
ካብዞም እንስሳት ቡዃርያን ኳኽን ብጣዕሚ ስለዝጠመዩ ኣዐርዮም ተጨነቁ፡፡

2

ኳኽን ቡዃርያን ምግቢ ንምድላይ ብሓደ ናብ ካሊእ ቦታ እንትጉዓዙ ዝወደቐ ስጋ ረኸቡ፡፡ ኳኽ ተቐዳዲሙ ነቲ ስጋ ብምልዓል በይኑ ክበልዕ ጀመረ፡፡

3

ቡዃርያ ኳኽ በይኑ ስጋ እናበልዐ ስለዝረኣየቶ ተናደደት፡፡ ሰላሕ እናበለት ብምኻድ ትሕዞ እሞ፣
«ሐዚ እንታይ ይሕሸካ? ክቐትለካ ዶ ወይስ ክገድፈካ» በለቶ፡፡

4

ዃኽ ድማ ፣ «በይዛኺ፥ ቡዃርያ ሓፍተይ ብገደል ከይተፅድፍኒ እምበር፣ ካኪእ ዝደለኽዮ ቅፅዓት ቅፅዕኒ» በለ፡፡

5

ቡዃርያ ንኳኽ ብጣዕሚ ስለዝፀልአቶ፣ «እሺ ዝሓወይ» ብምባል ሒዛቶ ናብ ገደል ዘለዎ ቦታ ጉዕዞ ጀመረት፡፡

6

ቡዃርያ ንኳኽ ሒዛ ኣብቲ ገደል ዘለዎ ቦታ በፅሐት
በቲ ገደል ክተፅድፎ ከዓ ተዳለወት፡፡

7

ቡዃርያ ንኳኽ ኣብ አፍ ገደል ኰይና ሸው ኣበለቶ፡፡
ድሕሪ እዚ ኳኽ ሙማቱን ዘይምሟቱን ንምፍላጥ ኣማዕድያ ረኣየት፡፡

8

ኳኽ ከዓ ቡዃርያ ምስ ሰንደወቶ ፍር ኢሉ ኣብ ጥቕኡ ናብ ዝነበረ ዓብዪ ኦም ዓለበ፡፡

9

ኳኽ ድሕሪ ቁሩብ ዕረፍቲ ቆላሕ ኢሉ ናብቲ ቡዃርያ ዝነበረቶ ቦታ ረኣየ፡፡ ቡዃርያ ኣብ ዝነበረቶ ቦታ ደው ኢላ ረኣያ፡፡

10

ኳኽ ድማ ብፍርሒ ኣዐርዩ ተጨኒቁ ስለዝነበረ ንቡዃርያ ፣ «ወፃእኹዋ እባ ብብልሓተይ» ኢሉ ተዛረበ፡፡

11

ቡዃርያ እቲ ዝሓሰበቶ ስለዘይኰነላ ብሕርቃን ንኳኽ «ሰደድኩዃ እባ ብሕውነተይ» ኢላ መለሰትሉ ፡፡

12
You are free to download, copy, translate or adapt this story and use the illustrations as long as you attribute in the following way:
ለባም ኳኽ
Author - ሰለሙን ግደይ, ገ/ኣምላኽ ገ/መደህን
Illustration - Isaac Okwir
Language - Tigrigna
Level - First sentences