

ቀደም ኣብ ሓደ ዓዲ ኣንበሳ፣ ብዃርያ፣ ወዓግን ዝብእን ብሓባር ይነብሩ ነይሮም፡፡
ብሓባር እንትነብሩ ወዓግን ዝብእን ብዃርያ ንምጥፋእ ተንኮል ሓሰቡ ፡፡ ንኣያ ኣንበሳ ድማ ብሚስጥር ረኺቦም ኣዘራረብዎ፡፡
ወዓግን ዝብእን ናብ ኣያ ኣንበሳ ቀሪቦም ፣" ኣያ ኣንበሳ፥ ንስኻ ብጣዕሚ ክቡር ኢኻ ፡፡ ክሳብ ሎሚ ግና ስለ ምንታይ ብዘይ ጫማ ትጓዓዝ ኣለኻ?" በልዎ፡፡
ኣያ ኣንበሳ ድማ ዝበልዎ ሰሚዑ ፣" እሞ ኣነ ጫማ የድልየኒ ነይሩ፣ ሓቅኹም ፤ግና መን ይሰርሓለይ?" ክብል ሓተቶም፡፡
ወዓግ ኣስዕብ ኣቢሉ ፣" ኣያ ኣንበሳ! ወይዘሪት ብዃሪያ ጫማ ብዝግባእ ምስራሕ ትኽእል እያ" ኢሉ ገለፀሉ፡፡
ኣያ ኣንበሳ ፣" በሉ ሕዚ ንብዃሪያ ፀውዑለይ" በሎም፡፡ ወዓግን ዝብእን ድማ ንብዃሪያ ፀዊዖም ኣምፅእዋ፡፡ ኣያ ኣንበሳ ድማ ጫማ ክትሰርሐሉ ኣዘዘ፡፡
ብዃሪያ ትእዛዝ ኣንበሳ ድሕሪ ምቅባል ብሚስጢር ከምዚ ኢላ ኣዘራረበቶ ፣ "እሞ ዝበለፀ ጫማ ዝስራሕ ካብ ናይ ወዓግን ዝብእን ቆርበት ምዃኑ ኸ ትፈልጥ ዶ?" በለቶ፡፡
ኣያ ኣንበሳ ድማ ዝበለፀ ጫማ ክትሰርሓሉ ብምሕሳብ "ጥራሕ ስርሕለይ እምበር ከምፃኣልኪ እየ በላ፡፡ ከየዱ ድማ ንወዓግን ዝብእን ቀቲሉ ፣ ቆርበቶም ገፊፉ፣ኣምፂኡ፣ ኣረከባ፡፡
ብዃሪያ ንኣያ ኣንበሳ እንተዘይሰሪሓትሉ ከም ዝቐትላ ስለ እትፈልጥ ፈርሐት፤ ተንኮል ድማ ሓሰበት ፡፡ እቲ ቆርበት ድማ ናብ ዓብዪ ቃላይ ወሲዳ ኣጥለቐቶ፡
ኣያ ኣንበሳ እቲ ጫማ ዘንጊዒኽኒ ኢሉ ኣፈራርሓ ፡፡ እቲ ቆርበት ምእንቲ ክልስልስ ናብ ቃላይ ከም ዘእተወቶ ፣ ሕዚ ግና ከይዳ ከምፆኦ እየ ኢላ መለሰትሉ፡፡
ብዃሪያ ናብቲ ሩባ ከይዳ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዘ ናብ ኣንበሳ ተመለሰት ፡፡ ብምቅፃል ፣ "ኣብቲ ውሽጢ ቃላይ ንዓኻ ዝመስል ኣንበሳ እቲ ቆርበት ከይወስዶ ከሊኡኒ፣ ጥርሐይ ተመሊሰ" በለቶ፡፡
ኣያ ኣንበሳ ብቑጠዐ ምስ ብዃሪያ ናብቲ ወሰን ቃላይ እናጎየየ ከደ ፡፡ ኣብ ውሽጢ ቃላይ ነፀብራቕ ምስሉ ረኣየ፡፡ ዘሊሉ ክጎብጦ ብምሕሳብ ናብቲ ቃላይ ኣትዩ ተሰርኒቑ ሞተ ፡፡

