እንተይኣመኽነኻ ብልዐኒ
ደሳለ ገ/ሄር
Brian Wambi

ኣብ ሓደ ዓዲ ሓደ ዝብእን ሓደ ኣድግን ነበሩ፡፡ እዞም እንስሳት ብሃንደበት ተላለዩ፡፡ ኣብ መንጎኦም ድማ ዕርክነት ክምስርቱን ሓቢሮም ክነብሩን ጀመሩ፡፡

1

ውዕል ስምምዕነት ድማ ኣብ መንጎኦም ከምዘድሊ ተሰማምዑ፡፡ ውዕሎም ድማ ሓቢርና ፀላእትና ክንከላኸል ፣ ዝረኸብናዮ ሓቢርና ክንበልዕን ክንሰትን ዝብሉ ነበሩ፡፡

2

ዝብእን ኣድግን በቲ ውዕሎም መሰረት ድማ ሓቢሮም ይነብሩ፤ ከምኡውን ብሓባር ኩሉ ዓይነት ስራሕ ይሰርሑ ነይሮም፡፡

3

ሓቢሮም እንትነብሩ ፣ እንትነብሩ፣ ሓደ መዓልቲ ክልቲኦም ብሓባር ፣ «ማይ ክንሰቲ ናብ ሩባ ንኺ ድ» ተበሃሃሉ፡፡ ናብቲ ማይ ዝርከበሉ ቦታ ድማ እናተፃወቱ ኸዱ፡፡

4

ኣድጊ ጐይዩ ብምውራድ ፣ ኣብቲ ሩባ ምስ በፅሐ ትሕት ኢሉ ኣብ ዝርከብ ወሓዚ ማይ ደኒኑ እንትሰቲ ፣ ዝብኢ ድማ ደድሕሪኡ ተኸቲሉ ኣርከቦ እሞ ብልዕሊኡ ኰይኑ ሰተየ፡፡

5

ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ዝብኢ ብሃንደበት ማይ ምስታይ ኣቛሪፁ ፣ «ስማዕባ ኣድጊ፥ ንምንታይ ኢኻ ዝሰትዮ ማይ ትዘርገለይ?» ብምባል ሓተቶ፡፡

6

ኣድጊ ከም እትፈልጥዎ ፃምእ ማይ ኣይኽእልን ኣዝዩ ፀሚእዎ ስለዝነበረ ደኒኑ እናሰተየ ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ ኣፅቀጠ፡፡

7

ወዮ ዝብኢ ድማ ነገር ስለዝሓሰበ ንህር ኢሉ፣ «ኣንታ ዓርማም፥ ኣይነኣኻ እንድየ? ንመን ድየ ዝዛረቦ ዘለኹ?» ኢሉ ብኹራ ፀረፎ፡፡

8

ኣድጊ ቅንዕ ኢሉ ፣ «ኣንታ ኣያ ዝብኢ ካብ መዓዝ እዩ ማይ ንዓቐብ ዝደየበ? ኣይንስኻንዶ ብልዕለይ ዝኒሀኻ፣ ኣነ ተውሳኸይ ዝሰቲ ዘለኹ ብትሕተኻ ፣ከመይ ጌረ እየ ዝዘርገልካ?» ኢሉ ብሕቶ መለሰሉ፡፡

9

ዝብኢ ትቕብል ኣቢሉ ፣ «ማይ ንዓቐብ ምድያብ ዝጀመረ ኣነን ንስኻን ብዕርክነት ብሓባር ክንነብር ኣብ ዝተስማዕማዕናሉ እዋን እዩ» ብምባል ንኣድጊ ክጎብጦ ቐረበ፡፡

10

ምሽክናይ ኣብዚ ጊዜ እዙይ መንነቱ ረሲዑ ምስ ሓያል ዝዓረኸ ኣድጊ ፣ «በል ደኣ ኣያ ዝብኢ እንተይ ኣመኽነኻ ብልዐኒ» ኢሉ ተዛረቦ፡፡

11

ኣብ መወዳእታ እቲ ሃርጓፍ ዝብኢ ድማ ዘሊሉ ብረቃቒተኡ ሓዞ እሞ ፣ኣውዲቑ፤ በልዖ ፡፡

12
You are free to download, copy, translate or adapt this story and use the illustrations as long as you attribute in the following way:
እንተይኣመኽነኻ ብልዐኒ
Author - ደሳለ ገ/ሄር, ደስታ ገ/ሚካኤል
Illustration - Brian Wambi
Language - Tigrigna
Level - First paragraphs