

ኣብ ሐደ ገዛ ኣርባዕተ ማሓሲእ ምስ ኣዲኣተን ይነብራ ነበራ፡፡ ኣዲኣተን ንዕዳጋ ክትከይድ ስለዝደለየት ንደቃ በላ ኣነ ዕዳጋ በፂሐ ክመፅእ እየ ፤ ምሰ ተመለስኩ «ደቀይ፥ ደቀይ፥መፂአ ኣለኹ ክፈታኒ ኢለ መዝሙር እንተዘሚረልክን ክፈታኒ ኢኽን» ኢላተን ትኸይድ፡፡
ኣዲኣተን እናተዛረበት ቡዃርያ ተፀጊዑ ሰምዐ፡፡ ናብተን ማሓሲእ ድማ ከደ፡፡ ብሮጊድ ድምፁ «ደቀይ፥ ደቀይ፥ መፂአ ኣለኹ ኣነ ኣዴኽን ክፈታኒ» ኢሉ ዘመረ፡፡ መበል ሳልሳይ ማሕሲእ «እዚ ድምፂ ናይ ኣዴና ድምፂ ኣይኮነን፤ናይ ኣዴና ድምፂ ቀጢን እዩ» በለት፡፡እቲ ቡዃረያ ዝደለዮ ከይረኸበ ተናዲዱ ተመለሰ፡፡
ቡዃርያ ድምፁ ከም ኣዲኣተን ንክኸውን ሓደ ሓሳብ መፀሉ፡፡ እቲ ሓሳብ ድማ ጠስሚ በሊዑ ድምፁ ከቕጥኖ ናብ እንዳ ጠስሚ ከይዱ ነቲ በዓል ጠስሚ «ስማዕ፥ ወይ ጠስሚ ሃበኒ ወይ ክበልዐካ እየ» ኢሉ ኣፈራርሖ፡፡ እቲ በዓል ጠስሚ ድማ ጠስሚ ሃቦ፡፡
ቡዃርያ ናብተን ማሓሲእ ከይዱ «ደቀይ፥ ደቀይ፥ መፂአ ኣለኹ ኣነ ኣዴኽን ክፈታኒ» ኢሉ ዘመረ፡፡ መበል ራብዐይቲ ማሕሲእ ናብ እግሪ ማዕፆ ድንን ኢላ ብነዃል ረኣየት፡፡ «ዋእ፥ እንታይ ድኣ እግራ ፀሊም ኰይኑ? ናይ ኣዴና እግሪ ቀይሕ እዩ» በለት፡፡ ቡዃርያ ሐዚ እውን ዝሓሰቦ ኣይኮነሉን፡፡
ቡዃርያ ደጊሙ ካሊእ ምህዞ መሃዘ። እቲ ዝመሃዞ እግሩ በርበረ ለኽዩ ከም ናይ ኣዲኣተን ቀይሕ ክገብሮ ሓሰበ። በርበረ ንምርካብ ናብ እንዳ መጥሓን ከደ። ነቲ በዓል መጥሓን «ስማዕ፥ በርበረ እንተዘይሂብካኒ ክበልዐካ እየ» ኢሉ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ እንዳመጥሓን ኰይኑ ኣፈራርሖ፡፡ እቲ በዓል በርበረ ድማ ፈሪሑ በርበረ ሃቦ።
ቡዃርያ እግሩ ብበርበረ ለኽዩ ናብተን ማሓሲእ ከደ፡፡ «ደቀይ፥ ደቀይ፥ መፂአ ኣለኹ ኣነ ኣዴኽን ክፈታኒ» ኢሉ ዘመረ፡፡ «ኣዴና መፂኣ ኢላ» ማዕፆ ከፈተቶ፡፡ ቡዃርያ ኣትዩ ንሰለስቲአን ማሓሲእ ከይሓኸየ ዋሓጠን፡፡
መበል ራበዐይቲ ማሕሲእ ተሓቢኣ ስለዝነበረት ከይተበልዐት ተረፈት፡፡ ኣዲኣተን ካብ ዕዳጋ ተመሊሳ «ደቀይ፥ ደቀይ፥ መፂአ ኣለኹ ኣነ ኣዴኽን ክፈታኒ» ኢላ ዘመረት፡፡ እታ መበል ራብዐይቲ ማሕሲእ የመና ፈሪሓ ስለዝነበረት ነዲኣ ደፊራ ክትከፍታ ኣይከኣለትን፡፡
ኣዲኣተን ዝኸፍታ ምስ ሰኣነት ነቲ ማዕፆ ደፊኣ ኣተወት፡፡ «ሓደ ፣ ክልተ ፣ ሰለስተ ፣ ኣርባዕተ ፣» ኢላ ንደቃ ምስ ፀወዐት እታ ራበዐይቲ ካብ ዝተሓብአቶ ቦታ ወፀት፡፡ «ናበይ ከይደን እተን ካልኦት ደቀይ?» ኢላ ሓተተት፡፡
እታ ማሕሲእ እናንቀጥቀጠት «ቡዃርያ ውሒጣተን» ኢላ መለሰትላ፡፡ ኣዲኣ ድማ «በሊ ንዓና ውን ተመሊሱ መፂኡ ከይበልዐና ካብዚ ርሒቕና ናብ ኣቦታትና ንኺድ» በለታ፡፡ ተታሓሒዘን ናብ ኣቦታተን ምኻድ ጀመራ፡፡
እናኸዳ እናሃለዋ እቲ ቡዃርያ ንዓቐብ ኣፉ ኣብ እግሪ ኦም ደቂሱ ረኣያኦ፡፡ እታ ኣዲኣተን ናብቲ ቡዃረያ ቅርብ እንተበለት ኣብ ከብዱ ድምፂ ደቃ ሰምዐት፡፡ ንጓላ ድማ «ቀልጢፍኪ መርፍእ፣ ላማን ጅማትን ኣምፅእለይ» በለታ፡፡ እታ ጓላ ድማ ኣምፀአትላ፡፡
ኣዲኣተን ናብቲ ቡዃርያ ቀስ ኢላ ከይዳ በቲ ዝሓዘቶ ላማ ገይራ ከብዱ ቀደደቶ፡፡ ኣብቲ ውሽጢ ከብዱ ሰለስቲአን ደቃ ብሂወተን ረኸበተን፡፡ ከብዱ ድማ ኣርባዕተ ኣእማን መሊኣ ብመርፍእን ጅማትን ሰፍያ ኣርባዕቲአን ደቃ ሒዛ ንገዝኣ ተመለሰት፡፡
ቡዃርያ ድቃሱ ወዲኡ ተሲኡ ጠጠው እንተበለ ከብዱ ከበዶ፡፡ ኣብ ቀልቀል ቃላይ ኰይኑ ድንን ኢሉ ማይ ክሰቲ፣ ኣብ ከብዱ ዝነበሩ ኣእማን ናብ ኣፍልቡ ወረዱ፡፡ ሚዛኑ ስሒቱ ድማ ናብቲ ቃላይ ጠሊቑ ሞተ፡፡

