ብልሓተኛ ሰበይቲ
ሰሚራ መሓመድብርሃን
Adonay Gebru

ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ቦታ ክልተ መሓዙት ሰብኡት ነይሮም፡፡ እቲ ሓደ ንቑሕ፣ እቲ ሓደ ድማ ፈዛዝ እዮም ነይሮም፡፡ እቲ ፈዛዝ ሰብኣይ ሰበይቱ ንቕሕቲ እያ፡፡እቲ ንቁሕ ሰብኣይ ድማ ሰበይቱ ፈዛዝ እያ፡፡

1

ክልቲኦም ሰብኡት ሓደ እዋን እናዋግዑ እናሃለዉ፣ እቲ ንቑሕ ሰብኣይ፣ «ሰበይትኻ ንዓኻ ኣይትምጥነካን ፤ምኽንያቱ ንሳ ንቕሕቲ እያ፤ንስኻ ግን ፈዛዝ ኢኻ፡፡ ስለዚ እታ ናተይ ሰበይቲ ከማኻ ፈዛዝ ስለዝዀነት ፣ ንሳ ንኣኻ ትግበአካ፤ እታ ናትካ ግን ንቕሕቲ ስለዝዀነት ንኣይ እያ ትግበአኒ» በሎ፡፡

2

ብድሕሪ እዚ እቲ ፈዛዝ ሰብኣይ ፣ «ኣነ ካባኻ ብምንታይ ይሰንፍ? ኣነን ንስኻን እኮ ማዕረ ኢና» በሎ፡፡ ብምቕፃል «በል ከማይ እንተኾይንካ ናብ ዳኛ ንኺድ እሞ ሕቶ ክሓተካ እየ ካብኡ ክትምልስ» በሎ እቲ ንቑሕ ሰብኣይ፡፡ በዚ መሰረት ሕራይ ተበሃሂሎም ናብ ዳኛ ከዱ፡፡

3

ናብ ዳኛ ምስ ከዱ፣ «በል ድላይካ ሕቶ ሕተት ሕዚ» በሎ እቲ ፈዛዝ ሰብኣይ፡፡ እቲ ንቑሕ ሰብኣይ ቀፂሉ «ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኮዋኽብቲ ክንደይ እዮም? ናይ ዓለም ማእኸል ከ ኣበይ እያ? ዝብሉ ሕቶታት እንተመሊስካ ሰበይትኻ ንዓኻ እያ፤ እንተዘይ መሊስካ ግን ኣንሽትና ክንቀያይር ኢና» በሎ፡፡ በዚ መሰረት ዳኛ መልሲ ሒዙ ክመፅእ ቈፀሮ ሃቦ፡፡

4

ብድሕሪኡ ወዮ ፈዛዝ ሰብኣይ ናብ ገዝኡ ምስ ከደ ኣብ ዝባን ገዛ ወፂኡ ምሸት ኮኾብ ምቑፃር ጀመረ፡፡ ሰበይቱ ንሰማይ ኣንቃዕሪሩ ክቖፅር ረኣየቶ፤ «እንታይ ትገብር ኣለኻ? ንዓስኪ ውረድ» በለቶ፡፡

5

ካብኡ ፣ «ኣብ ዝሓለፈ እቲ ዓርከይ ‹ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኮዋኹብቲ ክንደይ እዮም? ናይ ዓለም ማእኸል ከ ኣበይ እያ? ዝብሉ ሕቶታት እንተዘይመሊስካ ኣንሽትና ክንቀያየር ኢና› ኢሉኒ፡፡ በዚ መሰረት መልሲ ሒዘ ንክኸድ ድማ ዳኛ ቈፀሮ ሂቡኒ ይቆፅር ኣለኹ» በላ፡፡

6

ድሓር ድማ እታ ሰበይቱ ፣ «ነዞም ዝተሓተትካዮም ሕቶታት ኣይትጨነቕ፤ መልሲ ባዕለይ ክነግረካ እየ፤ይፈልጦ እየ» በለቶ፡፡ ካብኡ መዓልቲ ቈፀሮ ምስኣኸለ ፣ከረጢት ኣዳልያ ፣ጣፍ መሊኣ «በዝሒ ከዋኽብቲ ክንድዚ ጣፍ እዩ በሎ» በለቶ፡፡

7

ቀፂላ፣ ዘንጊ በትሪሂባ ድማ «ናይ ዓለም ማእኸል ኣበይ እያ እንተኢሎሙኻ እታ ዘንጊ በትሪ ኣብታ ደው ዝበልካላ ቦታ ሸኺልካ ኣብዚኣ እያ በሎም፡፡ ምእማን እንተኣብዮሙኻ ለኪዕኹም ኣረጋግፁ በሎም» በለቶ፡፡

8

ሰብኣይ ምኽሪ በዓልቲ ቤቱ ሒዙ ኣብ ቈፀረኡ ተረኸበ፡፡ዳኛ፣ «መልሲ ኣምፂእኻ ዶ? በሎ፡፡ «እወ» በለ ሰብኣይ፡፡ዳኛ፣ «እቶም ከዋኽብቲ ክንደይ እዮም?» አሊ ሓተቶ፡፡ ሰብኣይ ከረጢት ጣፍ ሃቦም፤ናይ ዓለም ማእከል ድማ ዘንጊ በትሪ ሸኺሉ «ኣብዚኣ እያ» በሎም፡፡ «እዚ መልሲ መን ነጊሩካ?» በሎ ዳኛ፡፡ «ሰበይተይ ነጊራትኒ» በለ ተሓታቲ፡፡

9

ዳኛ፣ «ስለዚ ሰበይትኻ ብጣዕሚ ንቕሕቲ ስለዝዀነት ንኣኻ ኣይትምጥንን፤ ምኽንያቱ ንቕሕቲ ሰበይቲ ምስ ኑቁሕ ሰብኣይ፣ፈዛዝ ሰብኣይ ድማ ምስ ፈዛዝ ሰበይቲ ኢኹም ክትኮኑ ዝግባእ፡፡ በዚ መሰረት ኣንስትኹም ክትቀያየሩ ኢኹም» ቈፀሮ ሃበ እቲ ዳኛ፡፡

10

ድሕሪ ቈፀሮ ሰብኣይ ንገዝኡ ከይዱ ንበዓልቲ ቤቱ ፣ «ብመልስኺ ተዓዊተ እየ፤ ዳኛ ግን ‹ሰበይትኻ ብጣዕሚ ንቕሕቲ እያ ግን ኣይትምጥነካን ክትቀያየሩ ኢኹም› ኢሉኒ» በላ እናተከዘ፡፡ ብልሓተኛ ሰበይቲ ድማ «በዚ እማ ኣይትጨነቕ፤ መልሲ ባዕለይ ክነግረካ እየ» በለቶ፡፡

11

ኣብ መወዳእታ ዳኛ ከቐያይሮም ከደ፡፡ እታ ሰበይቲ መሶብን ፃሕልን ነቲ ዳኛ ቀረበትሉ እሞ እቲ ዳኛ ድማ ደስ በሎ፡፡ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ግና ዝሓረረ እንጀራን ምስ ፀጉራ እተሰርሐት ፀብሒ ደርሆን እዩ፡፡ መቐረቢ ሪኡ ዳኛ ነኣዶ፡፡ መሶብ ክፍት እንተበለ ዝሓረረ እንጀራን ደርሆ ምስ ፀጉራን ኰይኑ ረኸቦ፡፡ «ዋይ፥ እዚኣማ ምስ ሰብኣያ ክትከውን ኣለዋ» ኢሉ ፈሪዱ ከደ ፡፡

12
You are free to download, copy, translate or adapt this story and use the illustrations as long as you attribute in the following way:
ብልሓተኛ ሰበይቲ
Author - ሰሚራ መሓመድብርሃን, ኣብርሃ ተኣምራት
Illustration - Adonay Gebru
Language - Tigrigna
Level - Longer paragraphs